ምዕጋስ ቃንዛ

ኩሎም ሕክምናዊ  መጥባሕቲ ዝገበሩ ቆልዑ ኣድላዪ ኮይኑ ክሳብ ዘድልዮም ስሩዕ መዐገሲ ቃንዛ ይወሃቦም እዩ።

Boy in bed with infusion pumps next to him.

እቲ ናይ ቃንዛ መዐገሲ ኣብ ቅድም ኢሎም ዝህልዉ ደረጃታት ዝጂምር ኣገባብ ኢዩ፡ መብዛሕቲኡ ግዜ ዋላ ቅድሚ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ምጅማሮም’ውን ይጅመር እዩ። እዚ ዝግበር ነቲ ኣብ ደም ዝርከብ ዓቕሚ ምዕጋስ ቃንዛ ክብ ንምባል ወይ ዓቀኑ ንምውሳኽ እዩ፡ እዚ ማለት ድማ ኣካላት ተሓካሚ ተፈጥሮኣዊ ንቃንዛ ዝህቦ ግብረመልሲ ክቕንስን፡  ውሑድ መዐገሲ ቃንዛ ድማ ክጥቀምን ይገብሮ። ህላወ ዝተመዓራረየ መጠን መድሃኒት ኣብ ኣካላት ንምሕላው፡ ዝበለጸ ውጽኢታት ንምርካብ ከምኡ'ውን ጥርዚ ጫፋት ናይ ቃንዛ ንምውጋድ ውላድካ ዋላ እኳ ቃንዛ ዘይብሉ ይምሰል ብስሩዕ መዐገሲ ቃንዛ ክወስድ እዩ። ብስሩዕ መዐገሲ ቃንዛ ብምሃብን ላዕለዋይ ናይ ቃንዛ ጥርዚ ብምክልኻልን ዉሑድ ዝዓቕኖም መድሃኒታት ክወሃቡ ኣለዎም። እዚ ንሓደጋታት ጎናዊ ሳዕቤን ከም ድርቀት ከስዕን ስምዒታትን ዕግርግርን ክቕንስ ይኽእል።

ንምዕጋስ ቃንዛ ብዝምልከት ዝበለጸ ውጽኢት ንምምዝጋብ ውህደት ናይ ዝተፈላለዩ መድሃኒታት ብዝተፈላለዩ መንገድታት ዝሰርሑ ከምኡ'ውን ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝወሃቡ ምጥቃም’ውን ኣብ ገለ እዋናት ጽቡቕ ኢዩ። መድሃኒት ዝወሃበሉ መንገዲ፡ ኣብ ዓይነት ዝተገብረ ሕክምናዊ መጥባሕቲ፡ ናይ ቆልዓ ስምዒት ከምኡ'ውን እቲ ቆልዓ ኣብዚ ሕጂ እዋን እንታይ ከም ዝምቾኦ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይምረጽ።

ብውሽጠ ቨይናዊ መንገዲ መዐገሲ ቃንዛ ናብ ሰራውር ደም ምሃብ ልሙድ እዩ። ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ መድሃኒት ብመልክዕ መርፍእ ምውጋእ ወይ መስርሒ ብምጥቃም ከም ነጠብጣብ ክወሃብ ይከኣል። መዐገሲ ቃንዛ ብኣፍ ከም ከኒና ወይ ከም ፈሳሲ ክወሃብ ይከኣል እዩ።

ምዕጋስ ቃንዛ ብከባቢያዊ መደንዘዚ ማለት መድሃኒት ኣብ ቆርበት ሓደ ግዜ ወይ ብተደጋጋሚ ይልከይ ወይ ይነጥብ ማለት እዩ። ከባቢያዊ መደንዘዚታት ንናይ ቃንዛ መልእኽትታት ምትሕልላፍ ኣብ ነርቭታት ብምክልኻል ነቲ ዝነጠቡሉ ቦታ የገልግሉ። እቲ ካኑላ ቅድሚ ምእታዉ ነቲ ቆልዓ ዝግበረሉ መደንዘዚ ክሬም ሓደ ዓይነት ናይ ከባቢያዊ መደንዘዚ እዩ።

ብምኹላፍ ስራሕ ነርቭ ንዝግበር ናይ ቃንዛ ምዕጋስ፡ ከባቢያዊ መደንዘዚ ኣብ ከባቢ እቶም ነርቭታት ይውጋእ። እዚ ድማ ነቲ ስርዓተ መልእኽቲ ንምኹላፍ እዩ። ምኹላፍ ነርቭ ከም ነጸላ ሕክምና ወይ ውን በቲ ኣብ ግዜን ድሕርን ሕክምናዊ መጥባሕቲ መድሓኒት ዝወሃበሉ ቦታ ቀጢን ትቦ ብምእታው ክወሃብ ይኽእል እዩ።

መደንዘዚ ምሃብ ትሕቲ ሽምጢ፡ ሓደ ኣብነት ናይ ምኹላፍ ነርቭ ኮይኑ መደንዘዚ ዝወሃቦ ቆልዓ ቀጢን ትቦ ኣብ ሕቖኡ ይግበረሉ። ምስ ምጥቃም መደንዘዚ ትሕቲ ሽምጢ፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንፍሕኛ ሽንቲ ክትንክፍ ይኽእል። ስለ'ዚ እቲ ቆልዓ ክሸይን ምስ ዝደሊ ኣይፈልጥን ማለት እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ግዝያት እቲ ቆልዓ ናይ ሽንቲ ካታተር ይግበረሉ እዩ።  እቲ ትቦ ወላ ውን እቲ ቆልዓ ፍሕኝኡ ጥራዩ እንከሎ ናይ ምሻን ድሌት ክህልዎ ከም ዘለዎ ክገብሮ ይኽእል እዩ ዝበሃል። መድንዘዚ ትሕቲ ሽምጢ ንሓይልን ስምዒትን ኣእጋር ክትንክፍ ይኽእል። እቲ ቆልዓ ብዛዕባ እዚ ክገብሮ ኣገዳሲ እዩ፡ ከምኡ'ውን እዚ ቀጢን ናይ ፕላስቲክ ትቦ ዝኾነ ዕንቅፋት ንምንቅስቓስ ወይ ብሕቖ ምድቃስ ከምዘየምጽእ ክንገሮ ኣለዎ።

ኣብ እዋን ኣሸገርቲ ወይ ከበድቲ ሕክምናዊ መጥባሕትታት ወይ መጉዳእትታት ሞርፊን ከም ልሙድ መዐገሲ ቃንዛ ይጠቅም። ሞርፊን ከም ኣካል ምዕጋስ ቃንዛ ምጥቃም ወልፊ ኣየምጽእን። ውላድካ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ሞርፊን እንተተዋሂቡ፡ በግታን ድሕሪ ምቁራጽ ዝመጽኡ ምልክታት ንምውጋድን ዓቐን ቀስብቀስ ይቕነስ።